ኮሌጅ ጥዕና ሳይንስን ኮምፕረሄንሲቭ ስፔሻላይዝድ ሆስፒታልን ዩኒቨርሲቲ ኣኽሱም ምስ ክዩር ብላይንድነስ ብምትሕብባር ነፃ ናይ ስብሒ/ሞራ/ ዓይኒ መጥባሕቲ ይህብ ኣሎ ።
ጥቅምቲ 30 / 2017 ዓ/ም ዝጀመረ እዚ ናጻ ኣገልግሎት ሕክምና ክሳብ 5 ሕዳር 2017 ዓ/ም ዝቕፅል ኮይኑ ካብ ዝጅምር ፣ ኣብ ውሽጢ ክልተ መዓልቲ ጥራሕ 467 መጥባሕቲ ስብሒ/ሞራ/ ዓይኒ ብዕውት መንገዲ ብምክያድ ናይዞም ወገናት ናይ ዓይኒ ብርሃን ክምለስ ምኽኣሉ እቲ ዩኒቨርሲቲ ሓቢሩ ።
ኣብዚ ወፈሪ ን1100 ወገናት ግልጋሎት መጥባሕቲ ስብሒ /ሞራ/ ዓይኒ ክወሃብ እዩ ተባሂሉ ትፅቢት ከምዝግበር ካብ ዩኒቨርሲቲ ኣኽሱም ዝረከብናዮ ሓበሬታ የመላኽት ይብል ፀብፃብ ድወት።
@tikvahethiopiatigrigna