View in Telegram
ካልኣይ ዙርያ ዓብዪ ጉያ ፍሬምናጦስ ተሳሊጡ።  ኩሉ በብዝተዋፈሉ ሞያን ስራሕን ኣብ ቅዱስ ተግባርን ስብኣዊ ወፈያን ብምስታፍ ፀገም ዓዱን ህዝቡን ኣብ ምቅላል ዜግነታዊ ግቡኡ ክፍፅም ይግባእ ኢሎም ፕሬዜዳንት ጌታቸው ረዳ።  ሎሚ ሕዳር 1/2017 ዓ.ም ኣብ ከተማ መቐለ ዝተሳለጠ ካልኣይ ዙርያ ዓብዪ ጉያ ፍሬምናጦስ ዘጀመሩ ፕሬዜዳንት ጊ/ም/ት  ጌታቸው ረዳ ከምዝበልዎ : ስፓርት ኣትሌቲክስ ጥዕናና ካብ ምሕላው ሓሊፍና ፍልፍል እቶት ክኸውን ተዋዲድና ክንሰርሕ ይግባእ ኢሎም ።  ኣባል መስራቲ ማእኸል መሐብሐቢ ኣረጋውያን ህፃናትን ሕሙማን ኣእምሮን ኣባ ሳሚኤል ኣስገዶም ብወገኖም : እቲ ማእኸል ዛጊድ ኣብ ከተማታት መቐለን ዓዲግራትን ኣስታት 300 ሓገዝ ዘድልዮም ወገናት ተቐቢሉ ይሕብሕብ ምህላው ብምግላፅ ዝመፁዎ ዓበይቲ ሕቶታት ክምልሰ ተፀጊሙ ኢሎም። ኣብ ኩለን ዞባታታት ትግራይ መሐብሐቢ ማእኸላት ንምጥያሽ ተሊሙ ይንቀሳቐስ ኣሎ ዝበሉ ኣባ ሳሚኤል : ምምሕዳር ከተማ መቐለ ብናፃ ኣብ ዝሃቦ 43 ሽሕ ካሬ ሜትር ቦታ ኩለ መዳያዊ ህንፃ ምህናፅ ምጅማሩን እቲ ህንፃ ልዕሊ 3 ቢሊዮን ብር ዝውድእ ብምኻኑ ኣብ ውሽጥን ደገን ዝርከብ ኩሉ ዘዝኻኣሎ ክሕግዝ ፀዊዖም። እቲ ብኣሻሓት ዝቑፀሩ ተሳተፍቲ ዝተረኸብሉ ካልኣይ ዙርያ ዓብዪ ጉያ ፍሬምናጦስ  - ብዊልቸር ዝጓዓዙ ኣካል ጉዱኣት: - ህፃናት :  - ስሩዓት ኣትሌታት : - ካልኦትን ብምስታፍ ዝተኻየደ ኮይኑ : ንተዓወትቲ በብደረጅኦም  ዝተፈላለዩ ሽልማት ተዋሂቡ። ኣብ ውድድር ካልኣይ ዙርያ ዓብዪ ጉያ ፍሬምናጦስ ኣትሌት ገ/ሄር ገ/ማርያም ሓዊሱ : ኣመራርሓ ፌደሬሽንን ኣትሌቲክስ ትግራይን ካልኦት ዕድመ ዝተገበረሎም ኣጋይሽን ምርካቦም ቲክቫህ ኢትዮጵያ ቤተሰብ መቐለ ፀብፂቡ።   @tikvahethiopiatigrigna
Telegram Center
Telegram Center
Channel