ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብ ሰደት ካብ ዘምርሑ ልዕሊ ክልተ ሽሕ መናእሰይ ወረዳ እገላ አስታት 200 ግዳይ ሞት ከምዝኾኑ ምምሕዳር እታ ወረዳ ኣፍሊጢ።
ሓላፊ ዘፈር ጉዳይ ተሳትፎን ተጠቃምነትን ሕብረተሰብ ወረዳ እገላ ፅጌ ተኽለማርያም ከምዝበልዎ : ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 2016 ዓ.ም ናይ መወዳእታ ኣዋርሕ ጥራሕ 192 ኣዋልድ ዝርከበኦም 2000 መናእሰይ ናብ ስደት ኣምሪሖም ካብዚኦም እቶም 200 ንሕልፈት ተሳጢሖም።
ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት ኣብ'ታ ወረዳ ዘሎ ዋሕዚ ዘይሕጋዊ ስደት ንምንካይ ኣብ ፈጠራ ዕድል ስራሕ ክስራሕ እዩ ዝበሉ እቶም : ዘሎ ሕፅረት በጀት ንምፍታሕ ኣብ ዙሪያ ምብቃዕ ዓቕሚ መናእሰይን ምክልኻል ዘይሕጋዊ ስደትን ዝሰርሑ ምግባረ ሰናይ ትካላት ገንዘባውን ንዋታውን ሓገዝ ክገብሩ ፀዊዖም ክብል ሬድዮ ትግራይ ጠቒሱ ቲክቫህ ኢትዮጵያ ቤተሰብ መቐለ ፀብፂቡ።
@tikvahethiopiatigrigna