Смотреть в Telegram
ኣደዳይ ማይክሮ ፋይናንስ  ጨንፈር ዓብይ ዓዲ  ን202 ደቂ ኣንስትዮ ንሳልሳይ ግዜ  ዝነበረን  ዓይኒ ዋና ልቓሕን ወለድን ምሕረት ከምዝገበረት  ኣፍሊጣ። ኣካያዲት ስራሕ እታ ትካል ወ/ሮ ፅጌ ገ/ገርግስ፣  በቲ ኣብ ትግራይ ዝተኣወጀ  ቁሉዕ ወራር ኣብ ትካላት ፋይናንስ ከቢድ ዕንወት ከምዝበፀሐ ብምሕባር፣  እተን ልቓሕ ዝተሰረዘለን ደቂ ኣንስትዮ  መሊሰን ካብ 30 ክሳብ 80 ሽሕ ልቓሕ  ብምውሳድ ዕቋር ብምጥንኻርን ደገፍ ክረኽባ ከምዝኽእላን ኣብ ጎኒ ትካል ኣደዳይ ማክሮፋይናንስ ብምዃን መነባብሮኦን ከመሓይሻ ከምዝግባእን ገሊፀን። ምሕረት ልቓሕን ወለድን ዝተገበረለን ደቂ ኣንስትዮ ነበርቲ ከተማ ዓብይ ዓዲ  ብግደአን  ብሰንኪ እቲ ዝነበረ ኩናት  ኣብ ናይ ቢዝነስ ትካለን  ዕንወት ከምዝበፀሐን ድሕሪ ምግላፅ ንዝተገበረለን ሕድገት ሕጉሳት ከምዝኾናን እታ  ትካል ኣካል ሕውየትን ዳግመ ህንፀትን ትግራይ ኾይና ንኽትቕፅል ኣብ ጎኒ እታ ትካል ኾይነን  ደገፍ ከምዝገብራ  ገሊፀን'ለዋ ከም ፀብፃብ ሓበሬታን ርክብን  ከተማ ዓብይ ዓዲ ።  @tikvahethiopiatigrigna
Telegram Center
Telegram Center
Канал