ኣብ " ዓርሰ ሓገዝ መንበሪ ኣባይቲ ሕብረት ስራሕ ማሕበር" መምርሒ 4/2011 ዝተወደብና ልዕሊ 3 ሽሕ ማሕበራት ድሕሪ ውዕሊ ሰላም ፕሪቶርያ ብዝተወደብናሉ መምርሒ መንበሪ ክወሃበና እናሓተትና መጺና ኢና ኢሎም።
ኣይተ ሓጋዚ ንጉስ ፤ ይኹን እምበር ትርጉም፣ ዕላማ፣ መትከልን እቲ ዝተወደብናሉ መምርሒ 4/2011 ብዝጥሕስ ኣገባብ ማእኸላይ እቶት ዘለዎ ክፋል ሕብረተሰብ ተረባሒ ዝገብር መምርሒ 9/2017 ጸዲቁ ኢሎም።
መምርሒ 9/2017 ኣብ መምርሒ 4/2011 ሕድሕድ ውልቀ ኣባል በዓል ሓደ ደብሪ ህንፃ ብዓርሰ ምትሕግጋዝ ክሰርሕ ጸዲቑ ዝነበረ ድንጋገ ብምጥሓስ፤ ኣባላት ከም ማሕበር ብዝስራሕ ብዓል 4 ደብሪ ህንፃ ኣብ ሓደ ደብሪ 4 ኣባላት ክነብሩ ብዝገብር ናብ ኣፓርታማ ዝብል መርሃ ግብሪ ብምቕያር፤
ከምኡ'ውን ፋይናንሳዊ ትካላት፣ ከተማ መሬት ምምሕዳራት፣ ኤጀንሲ ልምዓት ዕዳጋ ሕብረት ስራሕ ማሕበራት ንመምርሒ 4/2011 ንምፍጻም ተቐሚጥሎም ዝነበረ ጉቡእ ሙሉእ ብሙሉእ ነጻ ብዝገበረ መንገዲ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ንድሕሪት 6 ዓመት ተመሊሱ ተፈጻሚ ዝኸውን መምርሒ ብፕረዚደንት ተፈሪሙ ኣብ ልዕሊ ጥቅምቲ 24/2013 ዓ/ም ዝተወደብና 3ይ ዙር 70 ማሕበር ዓርሰ ሓገዝ ተፈጻሚ ንኽኸውን ፀዲቑ ኣሎ ኢሎም።
መምርሒ 9/2017 ኣብ ልዕሊ ብሕጋዊ መንገዲ ተወዲብና ዝፀናሕና ማሕበራት ተፈፃሚ ንክኸውን ተገይሩ ምጽዳቑ ሕጊ ንድሕሪት ተመሊሱ ክሰርሕ ከምዘይግባእ ንዝተቐመጠ መሰረታዊ ናይ ሕጊ መትከል ዝጥሕስ ፤ኣብ ትሕዝቶ እቲ ዝወፀ ሓዱሽ መምርሒ ብግልጺ ዝተቐመጠ እውን ዝኸኣለ ንክሰርሕ ዝዕድም እምበር ኣብ 3ይ ዙር 70 ካሬ ማሕበር ዓርሰ ሓገዝ ተወዲብና ንዝነበርና ኣባላት ፍጹም ዘግልል ኮይኑ ስለዝረኸብናዮ ቃልስና ሕጋዊ ፣ዴሞክራስያዊ ንምግባር "3ይ ዙር ማሕበር ደለይቲ መንበሪ ገዛ ከተማ መቐለ"ዝብል ሲቩክ ማሕበር ክነጣይሽ ተገዲድና ኣለና ኢሎም።
ካሊእ ኣባል እቲ ጥምረት ዝኾኑ ኣይተ ይብራህ ተኽላይ ፤ ዝዓቆርናዮ ገንዘብ ናይ ምግዛእ ዓቕሙ ኣዝዩ ተዳኺሙ እናሃለወ ፣ማእኸላይ ኣታዊ ንዘለዎ ብዝጥምት ኢና ሕቶኩም ንምልስ ዝብል መምርሒ 9/2017 ንኣና ኣይምልከትን ስለዚ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ነቲ መምርሒ ደጊሙ ክሪኦን ሕቶና ክምልስን ይግባእ ኢሎም።
ኣመራርሓ እቲ ጥምረት ፣ ከም ህዝቢ ብዝበፀሐና ኲናት ፅንተት ካሕሳ ኣብ ዝግበኣና እዋን ፣ልዕሊ ዓቕምና ዝኾነን ንተፈፃምነቱ ዝኸብድን መምርሒ ብምውጻእ ማሕበራት ክፈርሳን ሰብ ሃፍቲ ክገዝእዎ ድሌት ዘሎ ዝመስል ከይዲ ይኽየድ ስለዘሎ እቲ መምርሒ ደጊሙ ክኽለስ ንሓትት ኢሎም።
ጎናጎኒ እቲ ክነካይዶ ኢና ዝበልዎ" ሕጋዊ ከይዲ ኣባላቶም ናብ ጎደና ብምውፃእ መሰሎም ከኽብሩ መደብ ከምዘለዎምን እዚ እውን ብሕጋዊ መንገዲ ምስ ዝምከቶም ኣካላት ብምርድዳእ ከምዝፍፀምን "ኣመላኺቶም።
መምርሒ 9/2017 ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዘትይሉ ብፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ ተፈሪሙ ከምዝጸደቐ ይፍለጥ ይብል ፀብፃብ ድወት።
@tikvahethiopiatigrigna